Sep 032017
 
አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን ብዕለት 03/09/2017

አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን ብዕለት 03/09/2017 አብ ከተማ ፍራንክፈርት ምዱብ ወርሓዊ አኼባ አካይዶም። አብዚ ኣኼባ ባሕቲ መስከረም መበል 56 ኣመት ዘኪሩ ብተወሳኺ አብ ህሉው  ኩነታት ሃገርና ዘቲዩ፡፡ ዓወት ንህዝቢ! ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ (EDP) ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን (ጀርመን) 03/09/2017    

Mar 062017
 
አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን ብዕለት 05/03/2017

አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን ብዕለት 05/03/2017 አብ ከተማ ፍራንክፈርት ምዱብ ወርሓዊ አኼባ አካይዶም። አብዚ ኣኼባ ንስደተኛታት አብ ምቕባል ዘጋጥም ጸገማትን ከምኡውን ብወገኖም ከማልእዎ ዝግብኦም ጉዳያት ጉቡእ አቓልቦ ክህብሉ ከም ዘሎዎም ብሰፊሑ ተመያይጠሙሉ። ዓወት ንህዝቢ! ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ (EDP) ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን (ጀርመን) 05/03/2017

Aug 122015
 

ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ዕንደራን ዳንኬራን ስርዓት ህግደፍ ኣብ መላእ ዓለም በቶም ሕልና ኣልቦ ሰዓብቱ፣ ሓዘንን ሓጎስን ዝተሓዋወሶም፣ ንሕማቕ ጽቡቕ፣ ንሓዘን ሓጎስ፣ ንጥሜት ጽጋብ፣ ንጽምኢ ርውየት፣ ንዕንወት ዕብየት፣ ንጥፍኣት ልምዓት፣ ንሞት ሂወት ፣ እናበሉ ብዘይ ሕፍረት ብሓሶት ክምስክሩ ዝፍትኑ፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይውክሉ ሰብኣውነቶም ዝሸጡ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ፈቐድኡ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ከጋውሑ ንሪኦምን […]

Jul 132015
 
ኣኼባ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኣን

ኣኼባ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ብዕለት 5/7/2015 ዓ.ም ተሰላሲሉ። እዚ ኣኼባ’ዚ ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ኣብ ጀኔቫን ጊሰንን ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንፍትሒ ዝጽውዕ ዝተገብረ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፍታትን ውጽኢቱን ንምግላጽ ኮይኑ፣ ብተወሳኺ ክኣ ነቲ “ትጽቢታትና ኣብ መጻኢት ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ክውሃብ ዝጸንሐ ኣስተምህሮታት ከም ናቱ መቐጸልታ ንስትራተጂ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ዝምልከት ኣስተምህሮ ምምባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ […]

May 092015
 
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ኣካይዶም።

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ብዕለት 03/05.2015 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ነቶም ብዕለት 19/04/2015 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 350 ኤርትራውያን ኣሓትን እሕዋትን፣ ከምኡውን ኣብ ምድሪ ሊብያ ብዘሰቕቕ ጭካነ ብኻራ ዝተሓርዱን፣ ብብረት ዝተርሸኑን ኣሕዋትና ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ንዝኽሮም ናይ ሸምዓን ናይ ሕልና ጸሎት ብምግባር ዘኪሩ ዊዒሉ ። እቲ ናይ’ቲ ዕለት እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት […]

Feb 272015
 
“ንደገ ክገሹ ዝፍቐደሎም ኣባላትን ዕጡቓትን” ብዝምልከት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘውጽኦ ውሽጣዊ መምርሒ

‘ታይ ግዱ ህግደፍ መንደፍ፣ እንተኾነሉ ሰብ ይነድፍ፣ እንተሰኣነ ገንዘብ የግድፍ’ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ንኤርትራ ሃገረ ዕስክርና ብምግባር፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰጥ ልበጥ ኣቢሉ ብወተሃደራዊ ሕጊ ንምቍጽጻሩ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝሓንጸጾ ሜላ፣ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣስገዲዱ ዓስከር ብምግባር ብዓንተብኡ እዩ ጀሚሩዎ። ንመንእሰይ “ኣልዚበዮ እየ” ኣብ ዝበለሉ እዋን ከኣ፣ ነቶም ምንኣስ መንእሰይ ዝኾኑ […]

Feb 082015
 
አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን

  አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ PDF አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን ብዕለት 01/02 2015 አብ ከተማ ፍራንክፈርት ምዱብ ኣኼቦኦም አካይዶም። አብዚ አኼባ አብ ክልተ አርእስትታት ዘትዮም። 1ይ እቲ ካብ ዕለት 15-20/12/2014 ዝተኻየደ ህጹጽ አኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘሕለፎም ውሳኔታት ብዕምቆት ድሕሪ ምርአይ፡ ካልአይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት አበርቲዖም ክቃለሱ ከም […]

Feb 022015
 
2ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ  ንምዕዋት ኩለን ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ  ካብ ሕጂ ኣትሒዘን ዝያዳ ኣበርቲዔን ክሰርሓ ከምዘለወን ተገሊጹ።

ኣብቲ ብዕለት 31/01/2015 ዓም ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣብ መንጎ መሪሕነትን ኣባላት ቤት ጽሕፈትን ዝተገብረ ኣኼባ፡ ምክትል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲን ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶን ሓጂ ዓብደልኑር ሓጅ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ 2ይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዝያዳ ኣበርትዔን ክሰርሓ ከምዘለወን ገሊጹ፡፡ ሓጂ ዓብደልኑር ሓጅ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ […]

Sep 102014
 
አኼባ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን 07/09/2014

ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢአን አብ ዕለት 07/08/2014 ምዱብ ወርሓዊ አኼባኦም አብ ከተማ ፍራንክፈርት አካይዶም። ኣብዚ ኣኼባ ንጨንፈር ዝምልከት ገምጋማት ኣካይዶም። አብዚ አኼባ ዝተረኸቡ አባላት ማእከላይ ኮሚተ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ከምኡ’ውን ንግርጭታትን አተሓሕዞኦምን አፈታትሕኦምን ብዝምልከት ምስ አብ ውሽጢ ውድባትን ማሕበራትን ዝርኤ ጸገማት አመልኪቶም ስፊሕ አስተምህሮ ሂቦም።   ዓወት ንህዝቢ! ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

Aug 172014
 
ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014

ፍራንክፈርት 08/08/2014   ክቡር አቦ መንበር አሰናዳኢት ሽማግለ ክቡር አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኩቡራንን ኩቡራትን መራሕትን አባላትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክቡራንን ኩቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2014   ስልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ወኪለ አብ ፈስቲቫልኩም ክስአተፍ ምኽአለይ ዝስመዓኒ ሓበን ገዚፍን ዓሚቕን ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ ፈስቲቫል እዚ ታተ ኢሉ አብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋንን፡ እዚ ሕጂ […]

Aug 072014
 
ሓጺር ጸብጻብ ሰላማዊ ሰልፊ 1-2 Aug 2014 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - ስዊድን ብኣዳላዊት ኮሚተ

To read PDF File >….>>>  ሓጺር ጸብጻብ ሰላማዊ ሰልፊ 1-2 እቲ ካብ ዓርቢ ዕለት 1 ነሓሰ 2014 ክሳብ ናብ ሰንበት ዘውግሕ ዕለት 3 ነሓሰ 2014 ኣብ ትሕቲ ቴማ፣ ”ከተማ ስቶክሆልም ናይ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ፈስቲቫላት ምእንጋድ ጠጠው ክተብል ኣለዋ” ን ”ንዓ/ንዒ ንዛተ” ዝተሰነየ ናይ ክልተ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኣብናይ ሓጺር ግዜ ምድላዋት ብኩሉ […]

May 142014
 
ትማሊ ኣብ በይ ኤርያ ናይ ብሓቂ ስዉእ ተዛሪቡ

በይ ኤርያ ከምቲ ዝሓለፋ ዓመታት ሕጂውን መሪሕ ተራ ንምጽዋት ነዛ ታሪካዊት ዝኮነት ፈልም ‘ስውእ ተዛሪብ’ ንምእንጋድ ካብተን መጀምርያ ዝሓተታ ከተማታት ሓንቲ እያ። ‘ስውእ ተዛሪብ’ ብህብባት ስነጥበባውያን ዝተዋስእዋ ታሪኻዊትን እዋናዊትን ናይ ፋልማይ ፈልም መከራ፡ ገድሊ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጥለም ከሎ እተሪኢ አብ ታሪኽ ኤርትራ ድሐሪ ናጽነት ካብ ዝተሰርሓ ፈልምታት እታ ናይ መጀመርታ ምኾና እዩ። እዛ ብህብቡ አርቲስት ፍኣድ ኣልኣሚን […]

May 072014
 
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን ምዱብ ኣኼባ አካይዶም

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን ብዕለት 04/05/2014 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ምዱብ ወርሓዊ ኣኼበኦም ኣካይዶም።   ኣብዚ ኣኼባ ብኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ሽማግለን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ካብቲ ብሰፊሑ ዝተመያየጥሉ፡ ንጉዳይ ሓድነት ኣብ ዝምልከት ነበረ። ኣብዚ ኣኼባ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ኮይኑ፡ እቲ አብ መንጎ ውድባት/ሰልፍታት ከምኡ’ውን አብ ማሕበራት ዝርከብ ናይ ሓቢርካ ኣንጻር ሓደ ጸላኢኻ ናይ ምቅላስ […]