ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

 

 

Head Letter

ፖለቲካዊ ፕሮግራም ስልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ (ሰዲኤ)

Political Program of the Eritrean Democratic Party (EDP)

 

መእተዊ

እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብህልዊ ጂኦግራፊካዊ ዶባትን ማሕበራዊ ክውንነትን ማእከላይ ምሕደራን፡ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብውጽኢት ኣውሮጳዊ መግዛእቲ ዝመጸት ሃገር’ያ። እዚ ማለት ግና ቅድሚ ምትእትታው መግዛእቲ፡ ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ካብ ታሪኽ ወጻኢ ኣየሰምዕን፡ ብኣንጻሩ’ኳ ቡዙሓት ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ክምዘዘንትውዎ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኣብ ታሪኽ ሰራውሩ ዝሰደደ ርእሱ ዝኸኣለ ጥንታዊ ስልጣኔ መቦቆል ነበረት። ኤርትራ’ውን እንተኾነት ቅድሚ ወራር ባዕዳዊ መግዛእቲ ርእሱ ዝኸኣለ ርእሰ-ምምሕዳር ዝነበሮ ዞባታትን አህዛብን ብመሰረት ያታዊ ስርዓተ-ምሕደራን ፍትሓዊ ሕግታትን ይመሓደርን መነባብርኡ ብስኒታዊ ኣገባብ ይኣሊን ነበረ። እንተኾነ መግዛእቲ ጥልያን ባህርያዊ ሃብትን ሕሱር ጉልበትን ዕዳጋታትን ንምምዝማዝ፡ ንኤርትራ ኣብ ቲሕቲ መግዛእቱ ቆረና።  ብሰንክ’ዚ ባዕዳዊ ምትእትታው’ዚ ኣብ መስርሕ ምምዕባል ዝነበረ ፖለቲካውን ማሕበራዊን ክውንነት ሃገርና ብዕሸሉ ተቖጽየ።  ስዒቡ ዝመጸ እንግሊዛዊ መግዛእቲ ነቲ ድሑር ሕብረተ-ሰብኣዊ ኩነታት ብምምዝማዝ ዝተኸተሎ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ መደባት ምቹእ ባይታ ረኸበ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተላዕለ ርሱን ፖለቲካዊ ሕቶ መሰል-ርእሰ ውሳኔ  ብመጠን’ቲ ብስርዓት ኢትዮጲያን መሻርኽታን ዝውጠን ዝነበረ ውዲታት ብምልኣት ክምክቶ ኣይበቐዐን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዝተናውሐ ምድማይ ጠንቂ ዝነበረ ዘይተመጣጠነ ፈደረሽን ግዳይ ኮነ። ኣብ መወዳእታ ድማ ስርዓት ኢትዮጲያ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ውሳኔ ኣህጉራዊ ስምምዓት ብምርጋጽ ንሃገረ ኤርትራ ብዓመጽ ምስ ኢትዮጲያ ምጽንባር ኣወጀ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነታውን ሓርነታውን ተጋድልኡ ናብ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምስግጋር ሓዲሽ ምዕራፍ ከፈተ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕን መሪርን ጅግንነታዊ ተጋድልኡ ብመሪሕነት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኣበገሰ፡ ቀጺሉ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣዕኑድ ዝደኮነ፡ ድሒሩ ከኣ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጲያ ሲዒሩ ብ1991 ንመላእ ኤርትራ ሓራ ኣውጻኣ። ብ24 ግንቦት 1993 ከኣ ከም ውጽኢት ብተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪካዊ ሕብረትን ብዝተኻየደ ረፈረንዱም መሰረት ኤርትራ ነጻን ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር ኮነት።

እዚ ዓወት’ዚ ብቃልሲን መስዋእትን ህዝብና ዝተረጋገጸ፡ ሃገራዊ ዓወት’ዩ። እዚ ታሪኻዊ ተረኽቦ’ዚ ንመድረኽ ሃገራዊ ተጋድሎ ኤርትራ ደምዲሙ ንህዝብና ኣብ ድርኩኺት ምህናጽ ዕሸል ሃገርን ትካላታን ከም ዝጽመድ ገይርዎ። ብርግጽ ከኣ ዕማም ሃገር ምህናጽ ኩሉ ሰብኣውን ንዋታውን ሃገራዊ ዓቕሚ ብምልኣት ምውፋር ይጠልብ። ከምኡ’ውን መድረኽ ሃገር ምህናጽ ብባህርያቱ ካብ መድረኽ ሃገር ናጻ ምውጻእ ዝተፈለየ መሰረታዊ ተምሳላትን ጠባያትን ስለ ዘለዎ ዝተፈልየ ኣተኣላልያን ምብልሓትን ይሓትት። እንተኾነ ኣብ እዋን ናጽነት፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ህግሓኤ ላዕለዋይ ኢድ ዝነበሮ ጉጂለ ህዝብናን ሓርበኛታት ደቁን ዝተሰውኡሉን መትከላትን ዕላማታትን ረጊጹ ሚልኪ ሓድ ውድብ ኣረጋገጸ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ዓማጺ ጉጂለ’ዚ ብሕታዊ ጥሪት’ዩ ምባል ምግናን ኣይኮነን።

እዚ ብሓደ ሰብ ዝምለኽ ጉጂለ ዕድመ ይኹን ጾታ ብሄር ሃይማኖት ከይፈለየ ንመላእ ሕብረተሰብና ረጊጹ ኣውፈርቲ ከም ጸላእቲ ተወሲዶም ብብግዚኡ  ስለ ዝኽሰሱን ዝእሰሩን፡ እታ ሃገር ኣብ ድኽነት ንክትወድቕ ሓደ ካብቲ ዝደረኸ ረቛሂ;ዩ። ኩሉ ኣፍራዪ ጉልበት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ድፋዓት ስለ ዝተቖረነ ካብ ሕርሻን ፋብሪካን መጓሰን ክርከብ ዝግብኦ እቶት ናብ ባዶ ወሪዱ;ዩ። መንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ባርነት ዘይፍለ ኩነታት ስለ ዘጋጠሞም ዝፈትውዎም  ቤተሰቦምን፡ ሃገሮም ህዝቦምን ገዲፎም ናብ ስደት አብ ዘምርሑሉ ሓያሎ ካብኦም ኣደዳ ስቅያትን ሞትን ኮይኖም ኢዮም።

ሓላፍነትን ክእለትን ዝጎደሎ ኣሰራርሓ ወጻኢ ሜላ ህግደፍ ንሃገርና ኣብ ውግእ ኣእትዩ እዚ ዘይበሃል ናይ ሰብን ንብረትን ብርሰት ኣውሪዱ። ሃገርና ከም ሓንቲ ፍንፍንቲ ሃገርን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም እትንጸል ገይሩ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ምስ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡ ምስ ህዝቢ ዓለም ብሓፈሻ ክህልዎ ዝግባእ ናይ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ርትዓዊ ትጽቢት ኣባኪኑዎ ይርከብ።

ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ኩለንተናዊ ብልሹው ፖሊሲታቱ ሃገርና ንክትነቱግ ዝተረፋ የብላን፡ ኩሉ ዓቕምታትና ኣዋሃሂድና ከነድሕና እንተዘይኪኢልና ድማ ዝፈሸለት ሃገር ኢያ ክትከውን። ስለዚ ንከነድሕና ካባና ዝኽፈል መስዋእቲ ንክንከፍል ከቢቡና ዘሎ ኩነታት ዘገድድና’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝምነየን ሰለስተ መሰረታውያን ነገራት ኣሎዋ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ሰላም ይደሊ። እቲ ንነዊሕ ዘበናት ብዘይምቁራጽ ዝዛሪ ዘሎ ደም ደቁ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክውገደሉ ይደሊ። ሰላም ኣብውሽጢ ሃገር ሰላም ምስ ጎረባብቱ ብቐዳማይ ደረጃ ካብ ዝሰርዑ ጠለባት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ህልውን መጻኢን ናብርኡ ውሕስነት ይደሊ ኣሎ። እዚ ድማ ጠለብ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲን’ዩ።

 

ድሌት ህዝብና እዚ ካብ ኮነ ከምኡ’ውን ናይ ሕብረተሰብና ምብትታን ሓደጋ ካብ ተቐላቐለ ካብ ተቛወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝድለ ግብራዊ ስጉምቲ እንታይ’ዩ?

ሃገር ንምድሓን እቲ ኩሉ ተጠርኒፉ ዘሎ ዓቕምታት ማለት ኣብ ውሽጢ ባይቶ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኪዳን ወይ ኣብዚ ክልተ ኣካላት ዘይተጠርነፉ ካልኦት ሓይልታት ቃልሶም ናብ ሓደ መኣዝን ኣቕኒዖም ሃገር ኣብ ምድሓን ክረባረኡ ይግባእ።

 

ቀዳማይ ምዕራፍ

1.  መሰረታውያን ፖለቲካዊ መትከላት

1.1    ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ ብመሰረቱ ሰለማዊ ኮይኑ፡ ነቲ ኣዝዩ  ጸቢቡ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰረት ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝያዳ ዘጽብብን ነቲ ኒሂሉ ዘሎ ቁጠባዊ ሰረቱ’ውን ዝያዳ ንምንሃሉ ኩሉ ዓይነት  ስጉምትታት ምውሳድ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘቀላጥፍ ቅኑዕ ስትራተጂ ኢዩ ኢሉ ይኣምን፡

1.2  ክብርቲ ሃገርና ልዑላውነታን ተሓልዩ፡ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰረታዊ ሰብ ኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ተረጋጊጹ፡ ብሰላምን ቅሳነትን ርግኣትን ኣብ ጎደና ምዕባለን ስልጣነን፡ ብቀጻሊ ክትምርሽ ምእንቲ ክትበቅዕ፡ ሰዲኤ ይጽዕርን ይቃለስን፤

1.3  ህዝቢ እቲ እንኮ ምንጪ፡ መሰረትን ቀዳማይን ተጠቃማን ናይ ስልጣን እዩ። ስለ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ስልጣኑ ተረኪቡ፡ ምዕቡል ሃገራውን ዲሞክራሲያውን ትካላት ሃኒጹ፡ ዕድል ሃገሩ ክውስን፡ ወከልቱ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክመርጽን ንስልጣን ክቆጻጸርን ዘኽእሎ ሃገራዊ ቅዋም ክህልዎን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ስርዓተ-ሕጊ ብነጻ መነባብርኡ ከማዕብልን ሂወቱ ክመርሕን፡ ብጽንዓት ይቃለስ፤

1.4  ውልቀ ሰብ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ማእከላይ ቦታ ይሕዝ፡ ቡዙሕነት ፖለቲካዊ ዲሞክራሲን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽ፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ሓድነትን ስኒትን፡ ዓቕምን መንነትን ክብርን፡ ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ንምስግጋር ይቃለስ፤

1.5  ቁጽጽር ስልጣን መሰረት ዲሞክራሲ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መንጎ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ንጹር ፍልልይን፡ ንሓድሕዱ ናይ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ኣገባብ ዘለዎ ስርዓት ንክህሉ፡ ሰዲኤ ይቃለስ፤

1.6   መሰል ምውዳብ፡ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ቡዙሕነት ናይ ስነ-ሓሳብን ፖለቲካን ተረጋጊጹ፡ ብብጊዜኡ ነጻን ግሉጽን ዝኾነ ምርጫ ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ሓይልታት ንኽካየድ ይቃለስ፤

1.7   ብሃገራዊ ቅዋም ዝተሓንጸጸን ብኣህጉራውን ዞባውን ውዕላት ዝጸደቀን ሰብኣዊ መሰላት ብጥብቂ ይኽበሩ፡ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ዝከታተል ነጻ ኮሚሽን ንክምስረት ይድግፍ፤

1.8   ኩለን ብሄራት ማዕረ ኢየን፤ ብሄራት ብቛንቆኤን ክመሃራን ክዳነያን ሙሉእ መሰል አሎወን፤

1.9    ወግዓውያን ቋንቋታት ኤርትራ ዓረብን ትግሪኛን ኮይኑ፡ እተን ካልኦት ሃገራውያን ቋንቋታት ክምዕብላ የተባብዕ፤

1.10   ናይ እምነት መሰልን ማዕርነት ሃይማኖታትን ብጽኑዕ ተኸቢሩ፡ ሃይማኖታት ካብ መንግስቲ ነጻ ዝኾና ትካላት ብምምስራት፡ እምነታተን የተግብራ፤

1.11   ሃገራዊ ቅዋም ሃገረ-ኤርትራ፡ መግለጺ ልዑላውነትን መንነትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ቅኑዕ ቅዋማዊ መንፈሱን ትርጉምን ትንታነኡን ዘውሕስ፡ ሓደ ኣብ ንጥፈታቱ ይኹን ኣብ ኣቋውምኡ ካብ ኩለን ናይ ስልጣን ሓይልታት ነጻ ዝኾነ፡ ናይ ቅዋም ቤት-ምኽሪ ትካል ይህሉ። እዚ ቤት ምኽሪ’ዚ ዝህቦ ርእይቶን ፍርድን፡ እቲ ዝለዓለ ፖለቲካውን ሕጋውን ክብደት ይህልዎ፤

1.12   ከባቢያዊ ብከላ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ኣቓልቦ ካብ ዘይተዋህቦም ሓደጋታት ከም ምዃኑ መጠን፤ ጠንቂ ሕማምን ካልእ ሽግራትን ሕብረተሰብ ስለ ዝኾውን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንከይሰፍን ምክልኻል።

 ካልኣይ ምዕራፍ

2. ትካላት ቤት ፍርዲ

2.1  ትካላት ቤት ፍርዲ፡ ካብ ተጽዕኖ መንግስታዊ ኣካላትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ነጻ ኢዩ።

2.2  ፍርዳዊ ኣገልግሎት ስሉጥን ቅልጡፍን ኣድልዎ ዘይብሉን፡ ኣብ ዝወሃብ ሕጋዊ ውሳኔን ኣፈጻጽማ’ቲ ብይን፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ይኾውን፤

2.3  ገበናዊ ይኹን ሲቪላዊ ጉዳያት ቤት ፍርዲ፡ ግቡእ ቦትኡ ረኺቡ፡ ንሰብኣዊ መሰል ተኸሳሲ ዘኽብር ክኸውን ይግባእ፤

2.4  ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ናይ ቤት-ፍርዲ ትእዛዝ፡ ካብ 48 ሰዓታት ንላዕሊ ንክእሰር ወይ ክተሓዝ ሰዲኤ ኣየፈቅድን፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት ካብ ሕጊ ወጻኢ፡ ዝኾነ ይኹን ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን ስቅያት ንከይወርዶም ይቃለስ።

 

ሳልሳይ ምዕራፍ

3. ትካላት ምምሕዳር ሃገር

3.1  ሰዲኤ ዘይምእኩል ኣገባብ ምሕደራ ሃገር ይቕበል፡ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ዘይምእኩል ምሕደራዊ ስርዓት  ንመላእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝውክል ክኾውን ይጣበቕ፡ ኣብ ምምሕዳር ሃገር ኣብ መንጎ ጊዝያዊ ፖለቲካዊ ስልጣንን ነባሪ ሲቪካዊ ኣገልግሎት ፈላሊዩ ይግንዘብ፤

3.2  ብስርዓት ህግደፍ ዝተሓንጸጸን ዝተተግበረን ምምሕዳራዊ ምክፍፋል፡ ናይ ህዝቢ ተሳታፍነትን ተቐባልነትን ስለ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ዝቕበሎ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርከሰ ምሕደራዊ ምክፍፋል ንክህሉ ይቃለስ፤

3.3  ኣብ ትሕቲ ጽላል ግዝኣተ-ሕጊ፡ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብን፡ ሓሳባት ናይ ምግላጽን፡ ንሰበ-ስልጣንን ወከልትን ጥርዓን ናይ ምቕራብን፡ ብዘሎ ሕጋዊ መገዲ ንህዝባዊ ምምሕዳር ናይ ምቁጽጻር፡ መሰሎም ንክሕሎ ይቃለስ፤

3.4  ምምሕዳር ህዝቢ ንንጥፈታቱ ዝምልከት፡ ሓበሬታን ጸብጻብን ንህዝብን ወከልቱን ከምዘቕርብ ይገብር፤

3.5  ኣካላት ምምሕዳር ንዝቐረበሎም ጥርዓንን ኣቤቱታን ኣብ ውሱን ጊዜ ዝግባእ መልሲ ከም ዝህቡ ምርግጋጽ፤

3.6  ህዝባዊ ሓላፍነት ወይ ስልጣን፡ ብባህሪኡ ንህዝባዊ-ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሃብ ስለ ዝኾነ፡ በዚ መሰረት’ዚ፡ ናይ ምምሕዳር ትካላት፡ ቁጹራት ኣገልገልቲ ህዝቢ’ምበር ገዛእቲ ዘይምዃኖም ዘረጋግጽ ጽኑዕ ባህሊ ከምዝሰፍን ይገብር።

 ራባዓይ ምዕራፍ

4. ቁጠባዊ ፖሊሲን መደባትን

4.1    እቲ ብሰንኪ ሰንሰለታዊ መግዛእትን፡ ሚልካዊ ፖሊሲታት ህግደፍን፡ ኣዝዩ ንሓደጋታት ተቓሊዑ ዝርከብ፡ ሃገራዊ ቁጠባ ንምድሓንን እግሪ ንምትካልን፡ ከምኡ፡ ህዝብና ናይ ጻምኡ ምሉእ ብሙሉእ ተጠቃማይ፡ ንክኸውን ሰዲኤ ዝስዕቡ ቁጠባዊ ፖሊሲታትን መደባትን ኣለዎ፤

4.1.1  ቀጻልነት ዘሎዎ ቁጠባዊ ምዕባለ ብምፍጣር፡ ንብሕታዊ ወፍሪ ዘተባብዕ፡ ሕብረተ-ሰብና ዝረብሓሉ፡ ብነጻ ዕዳጋ ዝተዓብለለ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንክህሉ ይጽዕር፡መንግስቲ ድማ አብቲ ብሕታዊ ክፋል ክበጽሖን ክዓሞን ዘይክእል ልምዓታዊ መደባት  ክዓምም ጉቡኡ ኢዩ፤

4.1.2  ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ብሕጊ፡ ኣብ ኩሉ ዓይነት ቁጠባዊ ሂወት እታ ሃገር ማዕረ ሱታፌ ንክህልዎ ይቃለስ፤

4.1.3  መንግስቲ ኣብ ኣከፋፍላን ኣተዓዳድላን ሃገራዊ ሃብቲ ንዝወስዶ ውሳኔታት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሓለወን፡ ነቶም ብምዕባለ ዝደሓረ ኣብ ግምት ዘእተወን ንክኸውን፡ ብግሉጽ ፖሊሲታትን መደባትን ይገጥምን ይቃለስን፤

4.1.4  ኣብ ጸረ-ድኽነትን ስእነትን ዝግበር ወፍሪ፡ ሰዲኤ ኣብ ሕርሻን መጓሰን፡ ሃብቲ ዓሳን፡ ምዕባለ ገጠርን ፍሉይ ቆላሕታ ይገብር፤

4.1.5  ማዕረ-ማዕረ’ዚ ድማ፡ ንውሽጢ-ሃገርን ዞባውን ዓለም-ለኻውን ንግዲን ወፍሪን፡ ልዑል ምትብባዕን ጻዕርን ብምግባር፡ ንትንሳኤን ቅልጡፍ ዕቤትን ምዕሩይ ቁጠባ ሃገር ይጽዕር፤

4.1.6  መንእሰይ ወለዶ፡ መቐጸልታ ሕብረተ-ሰብና ስለ ዝኾነ፡ ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለ ንክረክብ፡ ትምህርታዊ ዓቕምታቱን ተበላሓቲ ክእለቱን፡ ዘማዕብለሉ ትካላት ንምህናጽ፡ ግቡእ ቁጠባዊ ወፍሪ ምግባር፤

4.1.7  ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ኣብ ቁጠባዊ ሂወት ሃገር፡ ካብ ምውሳእን ምውናንን ንክቁጠቡ ይሰርሕ፤

4.1.8  ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ሃገርና ኣትዩ ዘሎ ብልሽውና ብኩሉ መዳያቱ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንከይቅጽል፡ ግቡእ ቆላሕታን መቆጻጸሪ ሕግታትን ይግበረሉ፤

4.1.9   ጉልበት ሰብ ብነጻ ዝምዝመዘሉ፡ ብፍላይ ድማ ትሕቲ-ዕድመ ዜጋታት ንምዝመዛ ዝቃልዕሉ ኩነታት ብፍጹም ኣየፍቅድን፤

4.1.10  ወፍሪ ርእሰማል ንምትብባዕ፡ መንግስቲ ዘድሊ ሓገዛትን ብምግባርን፡ ንጡፍ ተራ ብምጽዋትን፡ ናይ ውሽጢን ወጻእን ወፍሪ የተባብዕ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ሃገሮም ንኽካፈሉ የተባብዕን ይሕግዝን፤

4.2      ሰዲኤ ብጊዜ መግዛእቲ ዝነበረ ዋንነት መሬትን፡ ድሕሪ ነጻነት ብስርዓት ህግደፍ ዝተኣታተወ ሕጊ ዋንነት መሬትን፡ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ኢዩ ይብል፡ መሬት ናይ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን፤

4.3     በዚ መሰረት’ዚ መሬቶም ዝተመንዝዑ ዜጋታት፡ ንሕጋዊ መሬቶምን ንብረቶምን፡ ብመጽናዕቲ ከምዝምለሰሎም ይገብር፡ ንሓፈሻዊ ጉዳይ መሬት ከኣ፡ ግቡእ መጽናዕቲ ተኻይድሉ፡ ብተሳትፎ ህዝቢ ከም ዝመሓየሽን ዝጸድቕን ይገብር፤

4.4     ስርዓት ህግደፍ ወኒንዎ ዝጸነሔ ኩሉ ዓይነት ሃገራዊ ሃብቲ፡ ብመንግስቲ ተወኒኑ ንረብሓ ህዝቢ ከም ዝውዕል ይኾውን።

 

ሓሙሻይ ምዕራፍ

5. ማሕበራዊ መደባት ዕዮ

5.1  ብሰንሰለታዊ መግዛእትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወረደ ማሕበራዊ ጭቆናን፡ ዝተኣታተወ ሕማቕ ባህልን፡ ካብ ስሩ ምሕዩ ንምልጋስን፡ እቶም ኣብ ሂወት ወዲ ሰብ ቀንዲ ኣድለይቲ ዝኾኑ ስራሕ፡ መንበሪ ገዛ፡ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ማሕበራዊ ውሕስናን ንምርግጋጽ ይቃለስ፤

5.2  ኣብ መንጎ ኩሎም ብሄራትን ማሕበረተሰባትን ኣካላትን ኤርትራ፡ ናይ ምክብባርን ምጽውዋርን፡ ስልጡን ሕብረተሰብኣዊ ዝምድናን ናብራን፡ ሓያል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ባህልን፡ ከምዝሰፍን ምግባርን፡ በዚ መሰረት’ዚ፡ ማሕበራዊ ዕብየትን ውሕስነትን ንምርግጋጽ ይቃለስ፤

5.3  ድኽነትን ሕማምን ድንቁርናን ንምውጋድ፡ መሃይምነት ንምጥፋእ ጽዑቕ ጻዕሪ ይግበር፡ ምስ’ዚ ከኣ፡ ናይ ሲቪካዊ ትምህርትን፡ ትምህርቲ ኢድ-ጥበብን፡ ምምዕባል ልምዳዊ ጥበባትን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ትምህርትታት፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ከምዝሰርጽን ዝምዕብልን ምግባር፡ ዉሑስ ስርዓተ ንምምስራት ብትብዓት ይቃለስ፤

5.4    ንመንእሰያትና ማዕረ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንምሃብ፡ ትምህርቲ፡ ንኩሉ ዜጋ፡ ክስብ ካልኣይ ደረጃ ብነጻ ኮይኑ፡ ናይ ምስታፍ ግድነት ንክህሉ ይጽዕር፤

5.5    ትምህርቲ መሰል ማዕርነት ብሄራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሕሪ 2ይ ደረጃ፡ ልዑል ትምህርቲ ናይ ኣወንታዊ ተግባር፡ ኣገባብ ይጥቀም፤

5.6    ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ከም መሰረታዊ ህዝባዊ መሰል ይቑጸርን፡ ብዝያዳ ኣብ ምክልኻል የተኩርን፤

5.7     ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን ንምሃብ፡ ንመንግስታውያንን ብሕታውያንን ትካላት የፍቅድ፤

5.8   ስራሕ ኣልቦነት ኣፍራሲ ማሕበራዊ ሰላም ከም ምዃኑ መጠን፡ ንዕኡ ንምዕጋት አገደስቲ ሃገራዊ ንጥፈታት ንክውሰዱን፡ ግዳይ ስራሕ ኣልቦነት ንዝኾኑ ወይ በቲ ናይ ሃገር ደረጃ፡ ትሑት ኣታውን መነባብሮን ዘሎዎም ዝሕግዝ ማሕበራዊ ውሕስነት ንምትእትታውን፡ ሰዲኤ ይቃለስ፤

5.9   መሰል ሰራሕተኛታት፡ ብሕጊ ሕሉው ይኾውን፡ ከምኡ፡ ነቶም ብቐሊሉ ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ዝኽእሉ፤ ኣባላት ሕብረተ-ሰብ፡ ከም ህጻናትን ኣካለ-ስንኩላትን፡ ስድራ-ስውኣትን ኣረጋውያንን ሕሙማትን ዝኣመሰሉ፡ መሰሎምን ረብሖኦምን ዝሕሉ ሕግታት ክጸድቁን፡ ኣድላይነቶም ንክማላእ ምቅላስ፤

5.10   ብጅግንነታዊ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ናይ ነጻነት ተጋድሎ ብምእማን፡ ድሕሪ ነጻነት፡ ኣስተዋጽኦ ደቂ-ኣንስትዮ ንምጽጋዕ ዝተገበረ ኣሰራርሓ ብምኹናን፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት፡ ወሳኒ ጊደአን ንክጻወታን፡ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ዝከላኸልን ዝጣበቕን ነጻ ማሕበር ንምምስራት፡ ዘድሊ ኩሉ ጻዕርታትን ሓገዛትን ይገብር፤

5.11   መሰላት ናይ ኩናት ስንኩላት፡ ስድራ ስውኣትን፡ ጡረተኛታትን ዘኽታማትን ከምኡ’ውን ኣካለ-ጎደሎ ህጻናትን ዝጣበቕን፡ ኣብ ማሕበራዊ ናብራኦም ዘድልዮም ንምፍጻም፡ በዚ መሰረት’ዚ ማሕበራት ንክቖማን፡ ይጽዕር፤

5.12   ካብ ናይ መንግስታዊ ተጽዕኖ ነጻ ዝኾነ ሲቪካዊ ማሕበራት ምቛም፡ ከምኡ’ውን መንእሰያት ኣካላዊ ህንጸትን ርእሰ-ተኣማንነት ዘጥርይሉ ትካላት ምትብባዕ፡

5.13   መሰል ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝከታተል፡ ነጻ ክፍሊ-ምምሕዳር፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ ምምስራት፤

5.14   መንግስቲ፡ ጉልበት ሰብ፡ ብነጻ ዝምዝመዘሉ፡ ብፍላይ ትሕቲ-ዕድመ ዘስርሓሉ ኩነታት ብፍጹም ኣየፍቅድን።

 

ሻዱሻይ ምዕራፍ

6. ባህላውን ያታውን መደባት

6.1  ሓደ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር፡ ብባህሉን ያታታቱን ዝፍለጥ ዘኾርዕን ሰለ ዝኾነ፡ እቲ ዘኹርዕን ምዕቡልን ናይ ምጽውዋርን ንንሓድሕድካ ምክብባርን ዝሰረቱ፡ ቡዙሕነት ኤርትራዊ ባህሊ፡ ብሰንኪ ህግደፍ፡ ኣብ ዝምህምነሉ ደረጃ ስለ ዝበጸሐ፡ ንትንሳኤኡ ብኩሉ መዳያቱ ብዕቱብ ምጽዓር፤

6.2   ኣብ ረብሓ ኩሎም ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘተኮረ ነባሪ ሓባራዊ ዕላማታትን፡ ነንሓድሕድካ ኣብ ምክብባር ዝኣመተ ጽቡቕ ዝምድናታትን ንምጽናዕን፡ ብስራሕ ጻዕራም ናይ ምዃን ሓያል ባህልን ከምዝድልድል ምግባር፤

6.3   መሰረት ሓደ ሕብረተ-ሰብ ካብ ስድራ-ቤት ስለ ዝጅምር፡ ቆልዑ ዓቕሚ ኣዳም/ሄዋን ክሳብ ዝበጽሑ ምስ ስድራቤቶም ክዓብዩን ባህሎም ክቐስሙን የተባብዕ፤

6.4   ቅርስታትን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ብጉቡእ ክስነድን ከምዝፍለጥን፡ ነዚ ታሪኻዊ መንነት ንምትንሳእ፡ መጽናዕታዊ ማሕበራት ንክቖማን ዘይሕለል ጻዕሪ የካይድ፤

6.5   መንእሰይ ወለዶ፡ ወራሲን መቐጸልታን ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነ፡ ባህሊ ኣቦታቱ/ኣዴታቱን ክመሃርን ክዕቅብን የተባብዕ፤

6.6   ምስ ባህሉን መበቆሉን ዝተኣሳሰር ሕብረተ-ሰብ ስነ-ምግባሩን ምክብባሩን ዕዙዝ ስለ ዝኾውን ነዚ ክውን ንምግባር ምትብባዕ።

 

ሻቡዓይ ምዕራፍ

7. ምክልኻልን ጸጥታን

7.1   ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝቖውም ሃገራዊ ሰራዊትና፡ ኣብ ትሕቲ ቅዋምን ሲቪላዊ ስልጣንን ኤርትራ ይኾውን፡ ካብ ፖለቲካዊ ጽግዕነትን ሻርነትን ነጻ ኮይኑ፡ ንረብሓታት መላእ ህዝቢ ኤርትራን ልዑላውነታን፡ ንብቅዋም ዝተመረጸ መንግስትን የገልግል፤

7.2   ኣባላት ሰራዊት፡ ሰብ ሞያ ኮይኖም፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምስታፍ፡ ብክእልቶምን ድልየቶምን ጥራሕ ይኾውን፡ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ክመርጹ ይኽእሉ፡ ክምረጹ ወይ ኣባላት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክኾኑ ኣይክእሉን፤

7.3    ዕማም ሃገራዊ ሰራዊት ቁጽሩ ውሱን ኮይኑ ኣብ ምክልኻል ልዑላውነት ሃገርን ኣብ ኣገልግሎት ህዝብን ዝተመስረተ ይኾውን፤

7.4    ሃገራዊ ኣገልግሎት ንውሓት ግዜኡን፡ ብሕጊ ይውሰን፡ ህዝብን ሃገርን ንምክልኻል ዝእወጅ ኣዋጅ ውግእ፡ ብሃገራዊ ባይቶ ይውሰንን ሕጋውን ይኾውን፤

7.5   ፖሊስ ካብ ፖለቲካዊ ሻርነት ነጻ ኮይኑ ኣብ ምኽባር ሕግን፡ ድሕነት ዜጋታትን፡  ይነጥፍን ንግዝኣተ-ሕጊ የገልግልን።

 

ሻሙናይ ምዕራፍ

8. ወጻኢ ዝምድናታት

8.1  ኣብ ጽቡቕ ጉርብትናን ድልየትን ዝተሞርኮሰ፡ ጽኑዕ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድና፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ካልኦት ሃገራትን ውድባትን ምምስራት፡ ንዝለዓለ ሃገራዊ ረብሓና ዘንጸባርቕ ኣገዳሲ ጉዳይ ብምዃኑ፡ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራ፡ ኣብ ዲሞክራስን ልዑላውነት ናይ ሕግን ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመስረተ ክኾውን ይኣምን፤

8.2  መሰል ነጻነትን ምዕብልና ህዝብን ዝድግፍ፡ ኣብ ሕውነትን ጽቡቕ ጉርብትናን ሓባራዊ ረብሓን ዝተሞርከሰ፡ ዝምድናታት ክህሉ ይጽዕር፤

8.3   ሰዲኤ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ጎረባብትና፡ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ምትእትታው ዘይቅበል፡ ብዓለም-ለኻዊ ኮነ ዞባዊ ሕጊ ዝተገዘአ ዝምድናታት ክህሉ ይኣምን፡ ኣብ ውግእን ጎነጻዊ መፍትሕን ዘይኣምን፡ ንፍልልያት ይኹን ግርጭት፡ ብልዝብን ብኣህጉራዊ ሕግን ክፍታሕ ከም ዘሎዎ ዝኣምን ሰልፊ ኢዩ፤

8.4   ኣህጉራዊ ሕግን ስምምዓትን ብዝሓቶ ጠለብ መሰረት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክህሉ ዝግብኦ ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ምውህሓድ ኤርትራ ንጡፍ ተራ ክትጻወት ከም ዘሎዋ ይእምት፤

8.5   ንዝድለ ጽቡቕ ጉርብትና መሰረት ንምንጻፍ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ህዝብን ርእሰማልን ኣቑሑትን ነጻ ምንቅስቓስ ይድግፍ።

 

ዓወት ንህዝቢ!

ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

21/03/2013

 

———-///———-

                              

 

 Posted by at 3:57 pm